ኣብ 1929 ዝተወልዱ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ 2004 ፓትርያርክ ኮይኖም፡። ንምትእትታው መንግስቲ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብምቅዋሞም፡ ኣብ 2006 ካብ ስልጣኖም ተኣልዮም፡ ስዒቡ ድማ ድማ ተኣሲሮም። ኣብ ኤርትራ ድማ ኣብነታዊ ኣቦን ንሓቂ ዝጣበቑን ኮይኖም ይቕጽሉ ኣለዉ።
Born in 1929, Abune Antonios became Patriarch in 2004. Due to government interference in the Eritrean Orthodox Church, he was deposed in 2006 then imprisoned. He remains in Eritrea as a symbolic father and truth-teller.
ትግርኛ ኣብ ከበሳታት ኤርትራን ክልል ትግራይ ኢትዮጵያን ዝዝረብ ሴማዊ ቋንቋ እዩ። ጥንታዊ ፊደላት ግእዝ ይጥቀም። ካብ ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ናይ ጽሑፍ ልምድን ሃብታም ስነ-ጽሑፋዊ ውርሻን ዘለዎም ውሑዳት መበቆላዊ ኣፍሪቃውያን ቋንቋታት ሓደ እዩ።
Tigrinya is a Semitic language spoken in Eritrea and Ethiopia's Tigray region. It uses the ancient Ge'ez script and has a rich literary tradition, making it one of Africa's few indigenous languages with a long written history.
ህዝቢ ትግርኛ ኣብ ከበሳታት ኤርትራን ገለ ክፋል ሰሜን ኢትዮጵያን ይነብር። ብዓሚቕ ክርስትያናዊ እምነቶምን ሕርሻዊ ኣነባብራኦምን ባህላዊ ሙዚቃን ሳዕስዒትን ዝፍለጡ ኮይኖም፡ ንሕድሪ ጥንታዊ ስልጣነታት ኣክሱማዊን ኩሻውን ዘንጸባርቕ ፍሉይ ልምድታት ዓቂቦም እዮም።
The Tigrinya people live in Eritrea and northern Ethiopia. Known for their deep Christian faith, agricultural traditions, unique music and dance, they preserve ancient Aksumite and Kushite cultural practices that highlight their rich heritage.
ንግስነት ኣክሱም ካብ 1ይ ክፍለ ዘመን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ክሳብ 7ይ ክፍለ ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ዝነበረት ሓያል ግዝኣት እዩ ነይሩ። ንገለ ክፋል ዘመናዊት ኤርትራ፣ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ፣ ምብራቓዊ ሱዳን፣ ደቡባዊ የመን ዘጠቓለለ �ኮይኑ፣ ብንግዲ፣ ብኦቤሊስክ፣ ብኣግኡ ክርስትና ምቕባል ዝፍለጥ እዩ።
The Aksumite Empire (1st-7th centuries AD) was a powerful kingdom covering parts of modern Eritrea, Ethiopia, Sudan and Yemen. Famous for its obelisks, coins, and early adoption of Christianity, it was one of Africa's great ancient civilizations.
ኣብ ከባቢ 324 ዓ.ም. ሚስዮናዊ ፍሩመንቲዮስ ነዚ ለውጢ መሪሑ ቀዳማይ ጳጳስ ኰነ። እዚ ድማ ንኣክሱም ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ክርስትያናዊ ኣህዛብ ኣብ ታሪኽ ምዃኑ ምልክት ገበሮ። ንጥንታውነቱ ዝድግፍ ብርክት ዝበሉ ገዳማትን ጽሑፍት ብራናን ደማ ኣለው።
Around 324 AD, missionary Frumentius led Aksum's conversion to Christianity, making it one of the first Christian nations. Ancient churches and manuscripts support this early Christian heritage that continues today.
ቅዱስ ያሬድ ኣብ 6ይ ክፍለ ዘመን ኣክሱማዊ ኣወሃሃዲ ሙዚቃ ኣቦ መዝሙር ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን �ዩ። ክሳብ ሎሚ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ቅዱስ ስርዓተ ሙዚቃ ፈጢሩ። ጽሑፋቱ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ኣብያተ ክርስቲያናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣምልኾ ዓቢ ኣበርክቶ ኣለዎም።
Saint Yared, a 6th century Aksumite composer, created the sacred musical tradition of the Ethiopian and Eritrean Orthodox Churches. His musical system and hymns remain central to worship services today.
ኤርትራ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ 1991 ካብ ኢትዮጵያ ናጽነት ዝረኸበት ሃገር እያ።መግዛእቲ ጥልያን ዝነበረት ኮይና ምስ ሱዳንን ኢትዮጵያን ጅቡቲን ትዳወብ። ኤርትራ ዝተፈላለየ ባህሊ፣ ጥንታዊ ቅርሲ፣ ስትራተጂካዊ ምብጻሕ ቀይሕ ባሕሪ ኣለዋ።
Eritrea, independent from Ethiopia since 1991, is a Northeast African nation with Italian colonial heritage. It borders Sudan, Ethiopia and Djibouti, featuring diverse cultures, ancient history, and strategic Red Sea access.